Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Ministry of Education  
Homepage Home Page Students Page for Students Educators Page for Educators Business Page for Businesess Doners and Partners Page for Doners and Partners Decrease font Increase font

 ተኸተልቲ

 ስታስቲክስ

 

ዝበለፀ ልማድ

 

ትምህርቲ ናይ ልምዓት  መሰረት

 

 ናይ ዝኾነ ብሄር ኢኮኖሚክን ማሕበራዊ ልምዓት ኣብ ትምህርቲ ዝተመርኮዘ እዩ፡፡ትምህርቲ ኣብ ኢትዩጵያ ናብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ግዘ ዝተመለሰ እዩ፡፡ን1500 ዓመታት ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ትካላት ብቤተ-ክርስትያን ቑፅፅር ውሽጢ እዩም ነይሮም፡፡ነገር ግን ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ትምህርቲ ኣብ ኢትዩጵያ ዝለዓለ ለውጢ ኣካይዱ እዩ::ንዚ ምኽንያቱ ድማ እቲ መንግስቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ሙከራ ብምግባሩ እዩ፡፡

 

መደበኛ ትምህርቲ ኣብ 1908 ተጀሚሩ፡፡ብምኽንያት ዝተሰሓሓቱ ፖሊሲታትን ዝተሓተ ናይ ትምህርቲ ደረጃ መመዘኒ ዋላ ምስ ካልኦት ናይ ኣፍሪካ ሃገራት  እንትነፃፀር ከም ዝተሓሰቦ ለውጢ ከምፅእ ኣይኸኣለን፡፡ብዙሓት ሰባት ዝስማዕምዑሉ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ብናይ ተመራፂነት፣ብዝሓት፣ቅልጥፍናን ተቐራራብነት ብዞም ኣርባዕተ ቁልፊ ችግራት ጉድለት ተጨናኒቑ ነይሩ ይበሃል፡፡

 

ቀዳማይ፡ ትምህርቲን ናይ ስልጠና ፖሊሲ ኣብ ቦትኡ ንብዙሓት ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ እንትኾን ኣብ ናይ ብሄራዊ ደረጃ ዘሎ ቀንዲ ችግራትን መሰናኽልን ቐልጢፍካ ችግራት ምፍታሕ ጥራሕ ዝተመርኮዘ እዩ፡፡

 

ካልኣይ፡ ቆልዑት-በተለይ ኣÕላት-ናብ ትምህርቲ ክኣትዋ ኣይበረታትዓን ነይረን

 

ሳልሳይ፡ ካብኡ ግዘ ጀሚሩ ውሱን ዝኾነ ቅርፂ ንተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከቡ ኣይነበረን፡፡ እቲ ተምህሪ ኾነ እቲ መምህር ግልፂ ዝኾነ ናይ ምምህሃር ራእይ ወይድማ ንምንታይ ከምዝኾነ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን፡፡

 

ራብዓይ፡ ቑፅሪ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ኣብ ክልቲኦም ቐዳማይን ካልኣይ ደረጃ ዝመሃርዎ ዝነበሩ ብጣዕሚ  ዓብይ እንትኾን(ክሳብ 15 ኣብ ሓደሓደ ቦታታት) እዚ ዘምፅኦ እቶም ትምህርትታት ኣድለይቲ ክእለታት፣ኣመለኻኽታን ፀባይን ንምዕባይ  ብጣዕሚ ክከፋፈል ይገብሮ፡፡