Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Ministry of Education  
Homepage Home Page Students Page for Students Educators Page for Educators Business Page for Businesess Doners and Partners Page for Doners and Partners Decrease font Increase font

 ተኸተልቲ

 ፖሊሲታትን ስትራቴጂን

 


ትምህርቲ ማለት ናይ ወድሰብ ከይዲ ኾይኑ ልምዶም ብምትሕልላፍ፣ሓድሽ ነገር ዘግንየሉን ልዕሊ ዓመታት ዝተኣከበ ጥቅምታት፣ንምነባርን ንልምዓት ዘሎ ካብ ትውልዲ እናተወራረሰ ዝመፀ ቓልሶም ዘመልክት እዩ፡፡ ትምህርቲ ንግለሰብን ንሕብረተሰብ ኩሉ ዘማእኸለ ተሳትፎ ኣብ ልምዓት ከይዲታት ብምግባር ፍለጠት፣ተውህቦ፣ ክእለት ኣመለኻኽታ ክረኽቡ የኽእል፡፡

እቲ ሓደ ዓላማ ናይ ትምህረቲ ናይ ግለሰባትን ሕብረተሰብን ችግር ናይ ምፍታሕ ክእለት፣ትወህቦን ናይ ትምህርቲ ባህሊ ካብ መሰረታዊ ትምህርቲ ዝጅምርን ኣብ ኩሉ ደረጃ ዘለው ምጥንኻር እዩ፡፡ትምህርቲ ንወድሰብ ጎዳእቲ ልምዲታት ንምፍላይን ብቶም ጠቐምቲ ዝበሃሉ ልመድታት ንምቕያር የኽእል፡፡ወድሰብ ናብቲ ሕብረተሰብ ኩሉ ዘማእኸለ ልምዓት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብምሰርጫው ንቲ ኸባቢ ብምሕላው፣ ምምሕያሽ፣ምቕያርን ንምልማዕ ይሕግዝ፡፡ከምኡ እውን ትምህርቲ ኣብ ናይ ሰብ መብቲን ዲሞክራቲክ ጥቕምታት ዕብየት፣ማዕርነት ንክህሉ ከይድታት ኣብ ምፍጣር፣ናይ ሓባር ምርድዳእን ምትሕብባር ኣብ ማእኸል ሰባት ንክህሊ ዝለዓለ ግደ ይጫወት፡፡

ትመህርቲ ብገለልተኛነት ኣይሰርሕን እንተድኣ ምስ ምርምር፣ልምምድን ልምዓት ዝተጣመረ እንትኾን ኣብቲ ሕብረተሰብ ኩሉ ዘጠቓለለ ልምዓት ንክህሊ ኣስተዋፅኦ ይገብር፡፡ክሳብ ኸዚ ኣብ ሃገርና ትምህርቲ ከም ዝፍለጥ ብዝቐራረቡ ነገራት፣ብተመራፂነት፣ተበፃሒነትን ብትኽክለኛነትን ዝተወሳሰበ ችግራት ነይሩ እዩ፡፡ ናይ ትምህርቲ ዓላማ ናይቲ ሕብረተሰብ ፍልጠት ኣይወስድን ከምኡ እውን ናይቲ ዝመፅእ ግዘ ኣቕጣጫ ብዝግባእ ኣየመልክትን፡፡ዝተሓሓዘ ትሕዝቶን ናይ ኣቐራርባ ብልሓት ኣብ ምዕባይን ናይቲ ተምሃሪ ፍልጠት፣ግንዛበ ዝተመልኦ ክእለትን በብደረጅኡ ዝቐያየር ፀባይ ብቕዓትን ችግር ናይ ምፍታሕ ክእለትን ኣመለኻኽታ ዘይምህላው እዚኣቶም እቶም ዋና ዘጋጥሙ ችግራት ኣብ ናይ ትምህርቲ ስርዓት እዩም፡፡

ዘይበቕዑ ትካላት፣ዘይተማልአ ናይ መምሃራን ስልጠና፣ብተምሃሪ ዝተጠቅጠቀ ክላስ፣ናይ መፅሓፍ ሕፅረትን ናይ ካልኦት መምሀሪ ነገራት ሕፅረት ኩሎም እዚኣቶም ዘመላኽትዎ እቲ ዝቐርብ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ትሑት ምኻDኑ የርኢ፡፡ናይ ቐዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ተሳትፎ መጠን ትሕቲ 22% ዝቐራረብ ናይ ዕድመ ምድብ እዩ፡፡ ካብዚ ብዙሕ ቑፅሪ ዘsርፁን ደጊሙ ናብ መሃይምነት ዝወድቑ እዩም፡፡ኣብ ክልላት እቲ ዘይምምጥጣን ዝለዓለ እዩ፡፡መሃይምነት ናይቲ ሕብረተሰብ ብጠቕላላ ዝዓበየ ችግር እዩ፡፡ዕድላት ንናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ንቴክኒካልን ሞያዊ ስልጠና ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝተወሰነ እዩ፡፡ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ትካላት ዝግነዩ ኣብ ብጣዕሚ ውሱን ክልላት ጥራሕ እዩም ዝርከቡ፡፡ዝተጨናነቑን ናይ ምርምር ክእለቶም ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ፡፡  

እቲ ተደላይ መሰረተ ልምዓት ዝቐራረብ ናይ ትምህርቲ ፅርየት ንናይ ገጠር ህዝቢ ምቕራብ፡፡ልዕሊ ሰማንያ ሓሙሽተን ፐርሰንት ናይታ ሃገር ህዝቢ ኣብ ትኹረት ዘይወሃበሉ ናይ ዕብየት ደረጃ እዩ ዘሎ፡፡እዚ ዝተወሳሰበ ችግር ናብታ ዓዲ ዘእተውዎ ናይ ቕድም ሐዚ ዝነበሩ ኣምባገነናዊ፣ዓርሱ ዝፈትውን ዋጋ ዘይብሉ ፋሽስታዊነት፣እቲ ናይ ኢትዩጵያ ና ሽግግር መንግስቲ ንልምዓት ብትኽክለኛ መንገዲን እቲ ዝነበረ ዝተወሳሰበ ኣረመንያዊ ሰርዓት ብምስባር ንምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ትምህርቲ ኣብ ናይ ወድሰብ ዕብየት ብጣዕሚ ጠቓሚ ምኽንያት እዩ፣ናይቲ መንግስቲ ብጠቕላላ ዝለዓለ ቐዳምነት ዝወሃቦ ናይ ዕብየት ፃዕሪ እዩ፡፡ስለዝኾነ ሓድሽ ከይዲ ንክህሊን እቲ ኣታሓሳሳቢ ኩነታት ንምቕያር  ትኽክለኛ ኣቕጣጫ የድልዩ፡፡ስለዚ ድማ እዩ ጠቅላላ ናይ ትምህርቲን ስልጠናን ፖሊሲ ተደንጊጉ፡፡

እዚ ፖሊሲ ጠቕላላን ዝተፈለየ ኩሉ ዝሓቆፈ ዓላማ፣ስትራቴጂ ኣብ ምትግባር፣መደበኛን መደበኛ ዘይኾነ ትምህርቲ ዘጠቃለለ፣ካብ መዋእለ ህፃናት ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲን ዝተፈለየ ትምህርቲ፣ችግር ብግልፂ ናይ ምፍታሕ ክእለት ኣብ ምዕባይን ኣብ ናይ ትምህርቲ ኣተሓሕዛ ባህሊ ኣብ ምግባር፣ናይ ትመህርቲ መረዳእታ ኣወቓቅራን ግንዛበን፣ኣብ ሳይንሳዊን ተግባራዊ ፍልጠት ኣብ ምርካብ የትኩር፡፡  

ምስዚ ዝተተሓሓዘ እቲ ትኽክለኛ ዋና ጠቓሚ ነጥቢ ኣብ ማእኸል ትምህርቲ፣ስልጠና ፣ምርምርን ዕብየትን ናይ ምትሕብባር ተሳትፎ ኣብ ውሽጢ ዝቐራረቡ ደርጅታት ይቆፃፀር፡፡ እቲ ፖሊሲ ናይ ትምህርቲ  ኣወቓቕራ ርክብ ምስ  ናይ ተምሃሮ  መረዳእታ፣ትምህርታዊ መመዘኒን መገምገሚ፣ናይ መምርሒ ሚድያን ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ናይ ss ልምዲ፣ምልመላ፣ስልጠና፣ናይ ኣሰራርሓ ጥበብ፣ድርጅት፣ናይ ስነምግባር ሞያን ናይ መምሃራን ስራሕ ምዕባይ የጠቓልል፡፡

ትኹረት ስለዝተገበረሉን ብተወሳኺ ናይ መፃኢ ትልሚ ዝተውሃበ እንትኾን እቲ ዝድለ ትምህርታዊ ትካላት ቴክኖሎጂ፣ሃብቲ፣ኸባቢ፣ድርጅትን ምምሕዳርን ናይቲ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ንምጥንኻርን ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ፡፡ለውጢ ኣብ ምዝርጋሕ ቅልጡፍን ሞያዊ ናይ ምትሕብባር ተሳትፎ ስርዓት ብናይቲ ምምሕዳርን ናይቲ ትምህርቲ ስርዓት ምምሕዳር ኽብሪ ዘማእኸለ እዩ፡፡ብተወሳኺ ከምዝተገለፀ እቲ ናይ ትምህርቲ ብገንዘብ ምጥንኻር ብቁዕን ትኽክለኛነት ፅርየት ትምህርቲ ንምፍላጥ ይሕግዝ፡፡    

ብኣጠቓላሊ ትምህርቲን ስልጠና ፖሊሲ ብምግማት ዜጋታታት ኣብ ሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ምዕባይ፣ኩሉ ሃገር ዘጠቓለለ ተጠያቒነትን ዲሞክራቲክ ጥቕምታት እቲ ዝድለ ልምዓት፣ናይ ፈጠራ ክእለትን ኣድናቆት ብምሃብ  ፍረ ዘለዎ ተሳትፎ ንክህሊ ብምግባር ኣብ ልምዓትን እቲ ዘሎ ሃብቲ ወይ ብሰፊሑ እቲ ኸባቢ ንምዕባይ ይጠቅም፡፡


ንዝበለፀ መብራህርሂ ኣብ ናይ መግለፂ ማእኸል ትምህርቲን ስልጠናን ፖሊሲ ምርኣይ ይከኣል፡፡