Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Ministry of Education  
Homepage Home Page Students Page for Students Educators Page for Educators Business Page for Businesess Doners and Partners Page for Doners and Partners Decrease font Increase font

 ተኸተልቲ

 ሓቒ ዝሓዙ ወረቐታት

 

         ኢትዩጵያ-ናይ ትምህርቲ ስርዓት

 

ናይ ድርጅታት ዓይነትን መረደእታታትን

 

ናይ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ትካላት ዓይነት፡

      ዩኒቨርስቲ

      ናይ ትምህርቲ ትካል

      ኮሌጅ

      ዩኒቨርስቲ  ኮሌጅ

ናይ ትምህርቲ መልቐቒን ላዕለዋይ ደረጃ መረደእታታት:

      ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላላ ናይ መልቐቒ ሰርትፍኬት ፈተና

 

      ናይ ኢትዩጵያ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ መእተዊ ፈተና

      ዲፕሎማ

      ናይ መጀመርያ ዲግሪ

      ዶክተር

      ናይ ማስተርስ (ካልኣይ) ዲግሪ

     ስፔሻላይዜሽን  ብዲፕሎማ

      ዶክትሬት


ናይ ትምህርቲ ስርዓት ኣወቓቕራ

ቅድመ-ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡

ናይ ትምህርቲ ግዘ ግዴታ:

መእተዊ ዕድመ: 6

መውፅኢ ዕድመ: 14

ናይ ትምህርቲ ቤት ስርዓት ኣወቓቕራ:

ቐዳማይ

       እዚ ትምህርቲ ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ቤት ዓይነት :ቐዳማይ ደረጃ ትምህርት ቤት

ናይቲ ፕሮግራም ንውሓት ኣብ ዓመታት: 8

           ዕድመ ደረጃ ካብ: 6 to 14

ቀዳማይ ዑደት ካልኣዋይ

እዚ ትምህርቲ ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ቤት ዓይነት : ጠቕላላ ካልኣዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት

ናይቲ ፕሮግራም ንውሓት ኣብ ዓመታት: 2

ዕድመ ደረጃ ካብ: 14 to 16

ሰርተፍኬት/ዲፕሎማ ሽልማት: ናይ ኢትዩጵያ ጠቕላላ ትምህርቲ ቤት መውፅኢ ሰርተፍኬት ፈተና (.....)

      ኢትዩጵያ-ናይ ትምህርቲ ስርዓት

 

ናይ ድርጅታት ዓይነትን መረደእታታት

 

               ካልኣ ዑደት ካልኣዋይ፡

         እዚ ትምህርቲ ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ቤት ዓይነት  : ቕድመ ዝግጅት ካልኣይ ደረጃ ትምህርት ቤት

ናይቲ ፕሮግራም ንውሓት ኣብ ዓመታት: 2

ዕድመ ደረጃ ካብ: 16 to 18

    ሰርተፍኬት/ዲፕሎማ ሽልማት: ናይ ኢትዩጵያ ጠቕላላ ትምህርቲ መእተዊ ፈተና

      ቴክኒካል፡

         እዚ ትምህርቲ ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ቤት ዓይነት  :ቴክኒካል ትምህርቲ ቤትን ንንኢሽተይ ዓመታት ስልጠና ዝህብ ኮሌጅ

ዕድመ ደረጃ ካብ: 16 to 19

 

      ናይ ሞያ፡

እዚ ትምህርቲ ዝህቡ ናይ ትምህርቲ ቤት ዓይነት  : ናይ ሞያ ትምህርት ቤትን ንንኢሽተይ ዓመታት ስልጠና ዝህብ ኮሌጅ

 

ናይቲ ፕሮግራም ንውሓት ኣብ ዓመታት: 3

ዕድመ ደረጃ ካብ: 16 ናብ 19

 

ትምህርቲ ቤት:

ከምቲ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ኣወቓቕራ, ቐዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝፀንሕ እዩ(ናይ ዕድመ ቡድን 6-14) ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልተ ዑደታት ይኽፈል፡መሰረታዊ ትምህርቲ (ደረጃ I-IV) ጠቕላላ ትምህርቲ(ደረጃ V-VIII). ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ትምህርት ቤት ካብ ኸዚ ኣይህልን እቶም ደረጃታት VII VIII ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ዝርከብ ካልኣይ ዑደት ካብ ዘለው ክልተ ላዕለዋይ ክፍልታት ኾይኖም እዩም፡፡ ካልኣዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዑደታት ይምቐል: እቲ ቐዳማይ (ደረጃ  IX and X) ወይድማ ጠቕላላ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ካልኣይ ዑደት (ደረጃ XI XII) ወይድማ ናይ መሰናድኢ ካልኣይ ትምህርቲ፡፡ካብ ናይ መመሓየሺ ትምህርቲ ጀሚሩ, ናይ ደረጃ X ፍፃሜ ናብ ናይ ኢትዩጵያ ትምህርት ቤት መልቐቒ ሰርቲፍኬት ፈተና(....) ይመርሕ፡፡ ኣብ ናይ ደረጃ XII መጨረሻ ነይሩ፡፡እቲ ካልኣይ ዑደት ንተምሃሮ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት በፂሖም  ትምህርቶም ክቕፅሉን ብምንታይ ፕሮፌሽን ክቕፅሉ ከምዝደልዩ ክመርፁ ምግባርን እዩ፡፡ ወይ ናይ ሳይንስ ኣማራፂ ወይድማ ናይ ሶሻል ሳይንስ ምርጫ የቕርብ፡፡ኣብ መጨረሻ ናይዚ ዑደት፣ተምሃሮ ናይ ኢትዩጵያ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ መእተዊ ፈተና ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ትካላት ንምእታው ይወስዱ፡፡ቴክኒካልን ናይ ሞያ ትምህርቲን ስልጠናን ካብቲ መደበኛ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ዝተፈለየን ብእኩል ምስኡ ይተሓዳደር፡፡

 

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡

ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝቐርብ ኣብ ዩኒቨርስቲታት፣ዩኒቨርስቲ ኮሌጃትን ስፔሻላይዝድ ትካላትን እዩ፡፡እዚኣቶም ኩሎም ኣብ ትሕቲ ናይ ትምህርቲ ሚኒስተር ሓላፍነት እዩም፡፡ንሓፂር እዋን ስልጠና ዝህብ ኮሌጅን ካልኦት ኮሌጃት ናይ ዲፕሎማ ፕሮግራም ዝህቡ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲን ናይ ግሊ ኣቕረብቲ እዩ፡፡

ንቲ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝመርሕ ቐንዲ ሕግታት / ድንጋገታት:

      ድንጋገ(ኣዋጅ): ናይ ሚኒስተራት ምኽሪ ቤት ደንቢ ዓመት: 2003

      ሓሳባት:ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ናይ ዋጋ ምክፋል 

      ድንጋገ(ኣዋጅ): ናይ ሚኒስተራት ምኽሪ ቤት ደንቢ ዓመት: 1999

      ሓሳባት: ዩኒቨርስቲታት

      ድንጋገ(ኣዋጅ):ናይ ሚኒስተራት ምኽሪ ቤት ደንቢ ቑፅሪ.197/1994 ዓመት: 1994

      ሓሳባት:ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ትካላት ምምሕዳር ኣብ ክልላት

      ድንጋገ(ኣዋጅ): ናይ ሚኒስተራት ምኽሪ ቤት ደንቢ ቑፅሪ. 113/1993 ዓመት: 1993

      ሓሳባት: ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ

     ድንጋገ(ኣዋጅ): ኣዋጅ ቑፅሪ109 /1977 ዓመት: 1977

      ሓሳባት: ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትካል

      ድንጋገ(ኣዋጅ): ኣዋጅ ቑፅሪ.  351/2003 ዓመት: 2003

      ሓሳባት: ናይ ኩሎም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርት ቤት ጉዳያት

 

 

ኣካዳሚክ ዓመት:

ክላሳት ካብ:መስከረም ናብ: ሓምለ

ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ካብ: 8 ሓምለ ናብ 11 መስከረም

 

ናይ ትምህርቲ ቋንቋ፡ኢንግሊሽ

ናይ ትምህርቲ ደረጃታት:

ዩኒቨርስቲ ዘይኾኑ ደረጃታት ድሕሪ ካልኣዋይ ደረጃ ትምህርቲ(ቴክኒካልን/ሞያዊ ዓይነት)

ዩኒቨርስቲ ዘይኾኑ ደረጃታት :

ላዕለዋይ ሞያዊን ቴክኒካል ትምህርቲ ኣብ ግብርና ኮሌጃት፣ናይ መምሃራን መሰልጠኒ ኮሌጅ፣ኢንጂነሪንግን ቴክኖሎጂካል ትካል፣ጥዕናን ናይ ንግዲ ትካላት ይወሃብ፡፡ ኮርስታት ንክልተን ሰለስተ ዓመታት ይፀንሕ ካብኡ ናብ ዲፕሎማ ይመርሕ፡፡

ናይ ዩኒቨርስቲ ደረጃ ትምህርቲታት:

ናይ ዩኒቨርስቲ ቀዳማይ ደረጃ፡ቐዳማይ ዲግሪ

 

እቲ ቐዳማይ ደረጃ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ቐዳማይ ዲግሪ ዘትሕዝ እንትኾን ድሕሪ ሰለስተ ወይድማ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቲ ዝርከብ እዩ፡፡ኣብ መጨረሻ ሕድሕድ ሰሚስተር ፈተና ይዘጋጀ፡፡ኣብ ሕክምናን ናይ እንስሳት ሕክምና ትምህርቲ እቲ ፕሮፌሽናል ናይ ዶክተር ብቅዓት ምኣርግ ንምግናይ ሓሙሽተ ዓመት ይመሃር፡፡

 

ናይ ዩኒቨርስቲ ካልኣይ ደረጃ፡ማስተርስ ዲግሪ፡ስፔሻላይዜሽን

እቲ ካልኣይ ደረጃ ናብ ማስተርስ ዲግሪ ንምግናይ ብንኡሱ ክልተ ዓመት ዝቐፀለ ትምህርቲ የድልዩ፡፡ኣብ ሕክምናን ኣብ ናይ እንስሳት ሕክምና እቲ ናይ ስፔሻላይዜሽን ዲግሪ ዝርከብ ብንኡሱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዝቐፀለ ትምህርቲ እንትኾን ልዕሊ እቲ ናይ ሕክምና ዲግሪን ናይ እንስሳት ሕክምና ዲግሪ እዩ፡፡

ናይ ዩኒቨርስቲ ሳልሳይ ደረጃ: ናይ ፊሎሶፊ ዶክተር

 ናይ ፊሎሶፊ ዶክተር ማኣርግ ዝርከብ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ልዕሊ ማስተርስ ዲግሪ እዩ፡፡

ናይ መምሃራን ትምህርቲ፡

ናይ ቅድመ-ቐዳማይ ደረጃን ናይ ቐዳማይ ደረጃ/መሰረታዊ ትምህርቲ ቤት መምሃራን 

መጀመርያ ዑደት ቀዳማይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ቤት መምሃራን ናይ ሓደ ዓመት ኮርስ ድሕሪ ዓስራይ ክፍሊ ኣብ ክልላዊ ቀዳማይ ደረጃ ናይ መምሃራን ስልጠና ትካላት፡፡

 ዲፕሎማ ብናይ መምህራን መሰልጠኒ ኮሌጅ ዝሽለም እንድሕር ኣብ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ካልኣዋይ ዑደት እንተምሂሩ እዩ፡፡ 

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት መምሃራን ስልጣን

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት መምሃራን ብንኡሱ ቐዳማይ ዲግሪ ክህልዎም ኣለዎ፡፡ ዝስልጥኑሉ ቦታ ኸዓ  ናይ ትምህርቲ ፋካሊቲታት ከምን ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ፣ባህር ዳር ዩኒቨርስቲ፣ኣላማያ ዩኒቨርስቲን ደቡብ ዩኒቨርስቲ (ዲላ)፣ጅማ ዩኒቨርስቲን መቐለ ዩኒቨርስቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ኮርስ ምስተምሃሩ  ናይ መጀመርያ ዲግሪኦም ብመምህርነት ይረኽቡ፡፡ቴክኒካል ትምህርቲ መምህራን ናይ ሰለስተ ዓመት ዲግሪ ኮርስ ኣብ ናዝሬት ቴክኒካል ናይ መምሃራን ኮሌጅ ይከታተሉ፡፡

ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት መምሃራን ስልጠና

ማስተርስን .ኤች. ደረጃ መምሃራን /ኣባላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መመረቒ ትምህርቲ ቤት ስልጠና ይወስዱ ፡፡ብዙሓት መምሃራን ኣብ ወፃኢ ዓዲ እውን ይስልጥኑ እዩም፡፡ደቡብ ዩኒቨርስቲን ኣለማያ ዩኒቨርስቲ ብሀዚ ግዘ ንተምሃሮ ብማስተርስ ደረጃ የሰልጥኑ ኣለው፡፡ካልኦት ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ትምህርቲ ትካላት(ጅማን መቐለን) ኣብዚ ሓፂር ግዘ ንምጅማር ኣብ ትልሚ እዩም፡፡

ብዘይ ልምዲ ዝርከብ ትምህርቲ፡

ናይ ርሕቀት ላዕለዋይ ትምህርቲ

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኤም.ቢኤ ኣብ ኣዲስኣበባ ዩኒቨርስቲ ይወሃብ፡፡ ናይ ዲፕሎማ ደረጃ ስልጠና ዝወሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮመርሻል ኮሌጅ፣ባህርዳር፣መቐለ፣ጅማን ኣዋሳን እዩ፡፡

ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ

ዝቐፀለ ናይ ትምህርቲ መርሃግብሪታት ኣብ ኩሎም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትካላት ኣብ ኢትዩጵያ ኣለው፡፡እቲ ቐንዲ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ፈላጣት ተምሃሮ ድልየትን ድሕሪ መደበኛ ሰዓት ከም ምሸታዊ ፕሮግራምን ኣብ ክረምቲ ብመሰረታዊ መምሀሪ ገንዘብ እናተኸፈለ ይወሃብ፡፡ 

 

ናይ ብሄራዊ ኣካላት

ምምሕዳርን ምትሕብባርን፡

ተጠያቒ በዓልስልጣናት፡

ትምህርቲ ሚኒስተር

ርእሲ ምምሕዳር:ሚኒስተር

ኣመሓዳዳሪ ኦፊሰር፡ምክትል ሚኒስተር ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ


ስልኪ: +251(1) 55-31-33 

      +251(1) 56-00-63

ፋክስ: +251(1) 55-08-77 

       +251(1) 56-55-65

ቴሌክስ: 21435

-ሜል: heardmoe@telecom.net.et


ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት መእተዊ ፍቓድ

መእተዊ ፍቓድ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘይኾኑ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ትምህርትታት  

ናይቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ይድለ፡ናይ ኢትዩጵያ ጠቕላላ መልቐቒ ሰርተፍኬት ፈተና

መእተዊ ፍቓድ ናብ ዩኒቨርስቲ -ደረጃ ትምህርቲ

ናይቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ይድለ: ናይ ኢትዩጵያ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት መእተዊ ፈተና

ዝነኣሰ ነጥቢ/ዘድልዩ ነጥብታት፡ ብኣርባዕተ ናይ ትምህርቲ ዓይነታት C ደረጃ ሒዙ ዝሓለፉ

ካልኦት ንመእተዊ ፍቓድ ዘድልዩ ነገራት:ዝተፈለየ መብቲ ንደቂ ኣንስትዩ ተምሃሮን ኣብ ዝተጎድአን ርሑቕ ቦታ ዘሎ ክልል ዝርከቡ ተምሃሮ፡፡

ናይ ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ መእተዊ ፍቓድ

ናይ ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ መግለፂ፡ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ትካል እንትምዝገብ ንሳ ወይድማ ንሱ ቀዋሚ  ነባሪነት ናይታ ሃገር እንድሕር ዘይብሎም ማለት እዩ፡፡

ምደባ: ናይ ኢንፎርሜሽን ፅንዓት ትምህርቲ ቤት ንኣፍሪካ ካብ ምስራቓዊን ደቡባዊ ክልል ኣፍሪካ ዝመፁ ብቲ ምድብ መሰረት ይቕበል፡፡

ንመእተዊ ፍቓድ ዘድልዩ ነገራት፡ ናይ ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ ኣካዳሚክ ሰርቲፍኬት ብቲ ትካል ዝድለዩ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

ናይ ወፃኢ ዓዲ ብቅዓት ዝበሃል ምስ ናይ ኢትዩጵያ ናይ ትምህርቲ ቤት መልቐቒ ሰርተፍኬት ተመጣጣኒ እንተኾይኑ፡ ናይ ለንደን ዩኒቨርስቲ ጠቕላላ ናይ ትምህርቲ ሰርትፍኬት፣ ካምብሪጅ ናይ ወፃኢ ፈተና፣ናይ ምዕራብ ኣፍሪካውያን ትምህርቲ ቤት ሰርቲፍኬትን ናይ ኦክስፎርድ ፈተና፡፡ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዲፓርትመንት  ተመጣጣኒ ዝኾነ ናይ ካልኦት ካልኣዋይ ትምህርቲ ቤት መልቐቒ ሰርተፍኬት ብግሊ ጉዳይ ዘተኣማምንን ይገብሮ፡፡ናይ ኩሎም ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ ናይ መነባበሪኦም ወፃኢኦም ክሽፍኑ ኣለዎም፡፡

መእተዊ ደንቢታት:ቪዛን ናይ ገንዘብ ዋሕሲ ምሃብ፡፡ብተወሳኺ ኩሎም ናይ ፃኢ ዓዲ ተምሃሮ ንዝፀንሑሉ ግዘ ሰላማዊ ዝኾነ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎም ይግባእ ከምኡ እውን ECOWAS ዜጋታት ንዝፀንሑሉ ግዘ ሰላማዊ ዝኾነ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎም ይግባእ፡፡.

ኣብ ጥዕና ዘድልዩ ነገራት፡ ተምሃሮ ናይ ጥዕና ሰርተፍኬት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

ኣብ ቋንቋ ዘድልዩ ነገራት፡ ተምሃሮ ኣብ TOEFL ደረጃ ብኢንግሊሽ ብቑዕ ክእለት ክህልዎም ኣለዎ፡፡

ናይ መመልከቻ ቅድመ ተኸተል፡

መመልከቻ ናብ ንግሊ ትካላት ንምእታው፡ዩኒቨርስቲ/ኮሌጅ 

መመልከቻ ናብ: ትምህርቲ ሚኒስተር

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ
ስልኪ: +251(1) 553 133/ 560 063
ፋክስ: +251(1) 565 565

ናይ መመልከቻ መዕፀዊ መዓልቲታት፡

ንዩኒቨርስቲ ደረጃ ፅንዓት:ሓምለ 1

ንቕድመ/ዶክተራል ፅንዓት:ሓምለ 1

ናይ ትምህርቲ ግንዛቤን ብቕዓትን፡

ኣብ ዓዲ ውሽጢ ናይ ትምህርቲ ክትትል (ናይቲ ስርዓት ግንዛበን/ተቐባልነትን) ናይቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ሕጊ መወሰኒ ምኽሪ ቤት ብታ ሃገር ዝፍለጥ ናይ ድጋፍ ወረቐት ይህብ፡፡እቲ ትምህርቲ ሚኒስተር ናይ ግሊን ናይ ህዝቢ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትካላት እቲ ዝተደለየ ስራሕ ምስርሑን ተቐባልነት ዘለዎ ምኻኑን ሓላፍነት ኣለዎ፡፡ኣብ ወፃ ዓዲ ዝወሃቡ ናይ ትምህርቲ ክትትል (ምስ ናይ ወፃኢ ዓዲ ናይ ድጋፍ ኣፍልጦ ዝሰርሑ ኣካላት)

ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ሴክተር, ትምህርቲ ሚኒስተር

ሓላፊ: ተሸመ ይግዛው፣ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምክትል ሚኒስተር

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ
ስልኪ: +251(1) 553 133/ 560 063
ፋክስ: +251(1) 550 877/ 550 299

ምስ መእተዊ ድጋፍ ኣፍላጦ ምሃብ ዝሰርሑ፡ዩኒቨርስቲን ክእለት

ዝተፈለየ ትልሚ ንኣፍልጦ፡

ናብ ዩኒቨርስቲ ዘይኾኑን ቅድመ-ካልኣዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምእታው፡ዝምልከቶ ናብ ብሄራዊ ይኸድ

ናብ ዩኒቨርስቲ ደረጃ ትመህርቲ ንምእታው: ንዝምልከቶ ብሄራዊ ናብ ሜዲካል ትምህርቲ ቤት ክኣትው ዝደልዩ እዩ፡፡

ንዝበለፀ መረዳእታ ኣብ ናይ ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ መቐበልን ኣፍልጦ መውሃቢ ፅንዓታት መርአይ

ኣርእስቲ:ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኢትዩጵያ: ሓቅታትን ንድፍታትን 2001/2002

ፅሑፍ:ትምህርቲ ሚነስተር

ናይ ተምሃሮ ሂወት

ናይ ተምሃሮ ወፃኢን ናይ ገንዘብ ረድኤት

ናይ ተምሃሮ ዋጋ:

ኣማኻሊ ናይ መንበሪ ዋጋ: 10000 (ናይ ኢትዩጵያ ቅርሺ )

ናይ ዓዲ ውሽጢ ተምሃሮ ናይ ትመህርቲ ክፍሊት: ዝነኣሰ: 1200 (ናይ ኢትዩጵያ ቅርሺ )

ዝለዓለ: 3000 (ናይ ኢትዩጵያ ቅርሺ )

ናይ ወፃኢ ዓዲ ተምሃሮ ናይ ትመህርቲ ክፍሊት፡ ዝለዓለ : 18000 (ናይ ኢትዩጵያ ቅርሺ )

ናይ ገንዘብ ረድኤት ዘለው ዓይነታት:

ስኮላርሺፕ/መረጋገፂ/ማሕበርተኛ፡

ላዕለዋይ ሞያዊ/ቴክኒካል ትምህርቲ፡

ናይ ውሽጢ ዓዲ: እወ

ናይ ወፃኢ ዓዲ: እወ

ቐዳማይ ዲግሪ ትምህርቲ:

ናይ ውሽጢ ዓዲ: እወ

ናይ ወፃኢ ዓዲ: እወ

 

ንቕድመ/ዶክተራል ትምህርቲ:

ናይ ውሽጢ ዓዲ: እወ

ናይ ወፃኢ ዓዲ: እወ

ኣብ ናይ ተምሃሮ ገንዘብ ረድኤት መረዳእታ ዘቕርቡ ኣካላት፡

ሬጅስተር ቢሮ ኣብ ዩኒቨርስቲን ኮሌጅን

ስርሑ:ዝተረጋገፀ

ስኮላርሺፕ ክፍሊ፣ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ሰብ ሓይሊ ክፍሊ

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ
ስልኪ: +251(1) 55-31-33 +251(1) 56-55-65
ፋክስ፡ +251(1) 55-08-77 +251(1) 56-55-65

ስርሑ:ዝተረጋገፀ

ናይ ተምሃሮ ኣገላግሎትን ናይ ገንዘብ ረድኤት ሕትመት

ኣርእስቲ: ሓቅታትን ንድፍታትን 2001/2002

ፅሑፍ ካብ:ትምህርቲ ሚኒስተር

ኣርእስቲ: ናይቲ ኢንፎርሜሽን ንኢሽተይ መፅሓፍ

ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ናይ ገንዘብ ምንዛረ

ናይ ብሄራዊ ኣካላት ዋና ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምትሕብባርን ናይ ገንዘብ ምንዛረን ተጠያቂ እዩ፡፡

ላዕለዋይ ናይ ትምህርቲ ሴክተር, ትምህርቲ ሚኒስተር

ሓላፊ: ተሾመ ይግዛው፣ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምክትል ሚኒስተር

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ
ስልኪ: +251(1) 553 133/ 560 063
ፋክስ+251(1) 550 877/ 565 565

ናይ ሰብ ሓይሊ ክፍሊ፣ትምህርቲ ሚኒስተር

ሓላፊ:የሮምነሽ ኣየለ ናይ ክፍሊ ሓላፊ

.. 1367

ኣዲስ ኣበባ

ኢትዩጵያ
ስልኪ: +251(1) 553 133/ 560 063
ፋክስ፡+251(1) 550 877/ 565 565

ናይ ደረጃ ኣቐማምጣ ስርዓት

ዝተለመደ ናይ ደረጃ ኣቐማምጣ ስርዓት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት

ሙሉእ መግለፂ: 100-0

እቲ ዝላዓለ መመዘኒ: 100

ሓሊፉ/ወዲቑ ደረጃ: 50

እቲ ዝተሓተ መመዘኒ: 1

ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ትካላት ዝጥቐሙሉ ቐንዲ ናይ ደረጃ ኣቐማምጣ ስርዓት፡

ሙሉእ መግለፂ: ካብ A-F እዩ፡፡ እቲ ዝላዓለ መመዘኒ "A" እንትኾን እቲ ዝተሓተ ድማ "F" እዩ፡፡ ሓሊፉ/ወዲቑ ደረጃ ንዘይተመረቑ "C" እንትኾን ንቅድመ-ተመረቕቲ "B" እዩ፡፡

እቲ ዝላዓለ መመዘኒ: "A"

ሓሊፉ/ወዲቑ ደረጃ: "C" (ንዘይተመረቑ) "B" (ንቅድመ-ተመረቕቲ)

እቲ ዝተሓተ መመዘኒ: "F"

ካልኦት ቐንዲ ናይ ደረጃ ኣቐማምጣ ስርዓት፡ ውፅኢታት ሓደሓደ ግዘ ካብ 100 እንትኾን ናይቲ ዝተሓተ ወፅኢት መሕለፊ ውፅኢት ድማ 60 እዩ፡፡

ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ስርዓት መተሓሳሰቢ

ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ዋጋ ምክፍፋል ዝተፈፀመ ካብ 2003/2004 ጀሚሩ እዩ፡፡ ኣብ ናይ  "ተመረቕቲ ታክስ" ትልሚ ዝተጠቓለለ እዩ፡፡

ናይ ኣካዳሚያዊ ዓመት መረዳእታ፡ 2004-2005

ፍልፍል:ናይ ኢትዩጵያ ብሄራዊ ኤጀንሲ ንዩ...ኮ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ 2005